Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ህንፀት ፕሮጀክት ሓይሊ ንምምላእ ዘኽእል ቆፃሪ ሲስተም ቅድመ ክፍሊት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣገልግሎት እናሃበ ዝፀንሐ ተቖፃፃሪ ቴክኖሎጂ ቅድመ ክፍሊት ብስማርትን ኤስ.ቲ.ኤስ ቶክ ቴክኖሎጂን ንምትካእ ዘኽእል ስምምዕነት ትግበራ ፕሮጀክት ተፈሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ሽፈራው ተሊላን ቴክኒካል ዳይሬክተር ኢንህሜትር ናይ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ዲንግ ፉሚን ተፈራሪሞምምዎ፡፡

ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት÷ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣገልግሎት ንዓማዊል ዝምቹው ከምዘይኮነ ተዛሪቦም፡፡

ቴክኒካል ዳይሬክተር እቲ ኩባኒያ ሚር ዲንግ ፉሚን ብግደኦም÷ ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ብፅሬትን ብእዋኑን ዛዚ ከምዘረክብ ምግላፆም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ዓማዊል ብናይ ኢድ ስልኮም፣ ብኣማራፂ ዲጂታል ክፍሊት፣ ብኤ ቲ ኤም ማሽናት፣ ምስቲ ትካል ብዝሰርሑ ወኪል ሹቓት፣ ብማእኸላት መፀውዒ እቲ ትካል ኣቢሎም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብቐሊሉ ክመልኡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.