ኢትዮጵያን ፖላንድን ሰነድ ስምምዕነት ትሕብብር ታክሲ ከቲመን
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፖላንድን ሰነድ ስምምዕነት ትሕብብር ታክሲ ከቲመን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ፕሮግራም ትሕብብር ታክሲ ክልቲአን ሃገራት ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።
እቲ ስምምዕነት ብፍላይ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ገንዘብን ሚኒስቴር እቶትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ታክሲ ስልጠናታት ምሃብ ንክኽእሉ፣ ብቨርችዋል ዘተ፣ ስልጠናን መፅናዕቲን ንክገብሩ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ሰመሪታ ሰዋሰውን ኣምባሳደር ፓላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ፕሪዚሚሰሎው ቦባክ ክታሞም ከምዘንበርሉ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።