Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ግብሪ ዝኽፈለሉ እዋን ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ.ም ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ግብሪ ዝኽፈለሉ እዋን ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ.ም ተናዊሑ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ትማሊ 29 ሰነ 2015 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ወድዓዊ ፀገማት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከምዝሃ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ  ናይ ግብሪ መኽፈሊ ግዜ ክሳብ 30 መስከረም 2016 ዓ/ም ከምዝተናውሐ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ እዋን መሐደሲ ፍቓዲ ክሳብ 30 መስከረም 2016ዓ/ም ምንውሑ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ኲናት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ውዕላት ኮንትራክተራት ማይ፣ መንገዲን ህንፃታትን መፅናዕቲ ብምክያድ ውዕሎም ከሐድሱ ከምዝተወሰነ እቲ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.