ጉድኣት ዘጋጠመን ክልላት እግሪ ኣብ ምትካል ብመንግስቲ፣ ዳያስፖራ፣ ትካላት ሓገዝን ሰብ ሃፍቲን ዝተዋደደ ርብርብ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 28 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ዝተፈላለያ 10 ክልላት ካብ መንጎ ዝነበሩ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ተመዛበልቲ እቶም 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።
ጉድኣት ዘጋጠመን ክልላት እግሪ ኣብ ምትካል ብመንግስቲ፣ ዳያስፖራ፣ ትካላት ሓገዝን ሰብ ሃፍቲን ዝተዋደደ ርብርብ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሆም።
እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምርግጋፅ፥ ዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ 370 ሺሕ ቶን ሓገዝ ምግቢ ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም።