Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንመስመር ኤሌክትሪክ ኢትዮ-ኬንያ 26 ሚሊየን ዩሮ ልቓሕ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ኬንያ ብውሽጢ መሬጽ ዝዝርጋኽ መመሓላለፊ መስመር ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ዝውዕል 26 ሚሊየን ዩሮ ልቓሕ ኣፅዲቑ።

ኣብ ውሽጢ መሬት ዝዝርጋሕ 16 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መስመር ሓይሊ÷ 132 ኪሎ ቮልት ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ናንዩኪን ሩሙሩቲ ዝተብሃሉ ኣናእሽተይ ጣቢያታት መከፋፈልቲ ሓይሊ ዘራኽብ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ህንፀት እቶም ኣናእሽቲ ጣቢያታት ድማ ቀፃሊ ዓመት ቅድሚ ምዝዛሙ ክዛዘሙ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ውዕሊ ኮንትራክት ፕሮጀክት ምፍፃሙን ስራሕቲ ቅድመ ንድፊ እናተሰርሑ ከምዝኾኑን ሓቢሩ፡፡

ኬንያ ጠለብ ሓይሊ እታ ሃገር እናዓበየ ብምምፅኡ÷ ብጨረታ ኣወዳዲራ ካብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምግዛእ ዝጀመረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ን25 ዓመታት ዝዘልቕ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተፈራርመን ኢየን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.