Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ፌዴሪኢ ኣብ ጃፓን ኣብ ”ኢትዮዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ግዚኡ ሕዚ እዩ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሴሚናር ኢንቨስትመንት ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ ኣምበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ኣምባሳደር ዳባ ደበሌን ልዕሊ 100 ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ተሳቲፎም፡፡

እቲ መድረኽ ዓቕሚታት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ዝተመሓየሹ መኽአልቲ ኩነታ ኢንቨስትመንትን ንሰብ ሃፍቲ ጃፓን ንኽግንዘቡብ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ንምብርትታዕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣምባሳደር ዳባ ደበሌ÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ ዘበናት ዘቑፀረን ኣብ ሓራዊ ረብሓ ዝተመስረተን ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መንእሰይ ሓይሊ ሰብ፣ ሰፊሕ ዕዳጋን ካልኦት ሰፋሕቲ ዓቕሚታትን ዘለዋ ሃገር ምዃናን ኢኮኖሚኣ እውን ኣብ ቕልጡፍ ዕቤት ዝርከብ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

በለጠ ሞላ (ዶ/ር ) ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምችውቲ ከምዝኾነትን መንግስቲ ኣብ ዘካየዶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ጥጡሕ ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ንኽጥቀሙ ፀዊዖም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ጃፓን እውን ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.