ብኮንትሮባንድ ዝኣተዉ ዝተፈላለዩ ናይ ሞባይል ስልኪታትን ገይፀ መይፂ ብሩርን ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮንትሮባንድ ዝኣተዉ ዝተፈላለዩ ናይ ሞባይል ስልኪታትን ገይፀ መይፂ ብሩርን ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ኣቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ክ/ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 8 ፍሉይ ቦትኡ ማእኸል ዕዳጋ ካብ ሕብረተሰብ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ኢዮም ተታሒዞም፡፡
ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ቀረፅ እንተይተኸፈለሎም ብኮንትሮባንድ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዉን ኣብ ሽዱሽተ ካርቶን ዝተዓሸጉ ዝተፈላለዩ ገይፀ መይፂታትን 970 ዝኾና ሞባይላትን ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ፡፡
ፖሊስ ኣብቲ ተግባር ተሳተፍቲ ዝኾነ ተጠርጣሪ ምስ ኤግዚቢቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሉ ምርመራ እናገበረ ከምዝርከብ ተመልኪቱ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com