ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ መገዲ ብምንቅስቓስ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዙሕ ክሰርሕ ኢዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ብምትሕብባር ሱር ኮንስትራክሽንን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ተመሪቖም።
ኣብቲ ስነ-ሰርዓት ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ብኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት መሊስኻ ምህናፅ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ፥ ዳርጋ ኣብ ፀልማት ኮይንኻ ብዘብል ኩነታት መርኣያ ዝኾኑ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ፀበባ ኾይኑ ኣብ ልምዓት ዝገብሮ ጉዕዝኡ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ንድሕሪት ዝመልሶ ከምዘይብሉ ዘረጋግፅ ዓብይ ስራሕ ልምዓት እዩ ኢሎም።
ትግራይ ከም እትሓዊ ዘጠራጥር ጉዳይ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሃፍቲ ትግራይ ሰብ ከም ዝኾነ ምብርሆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ መገዲ ብምንቅስቓስ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዙሕ ዝሰርሕ ህዝቢ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።