Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዘረባ ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘረባ ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ዓ.ም፥ ብፌስቡክ፣ ቲዊተር፣ ዩቲዪብ፣ ኢንስታግራምን ቲክቶክን ዝተወዝዑ ዘረባ ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን ማሕበራዊ ሚዲያ ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ፀብፃብ ዕላዊ ኮይኑ።

እቶም ዘረባ ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታታትን ብምስሊ፣ ቪዲዮ፣ ድምፂን ፅሑፍን ምውዝዖም  ተሓቢሩ።

ኣብ ፌስቡክን ቴሌግራምን ዝተወዝዑ፥ ፖለቲካ፣ ብሄር፣ ሃይማኖትን ጉድኣት ኣካለን ከምኡውን  ፆታ መሰረት ዝገበሩ ምዃኖም  ተገሊፁ።

ኣብ ዩቲዩብብ ቲክቶክን ድማ፥ ቪዲዮታ ዘረባ ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታታትን ኣብ ረብሓ ከምዝወዓሉ ኣብቲ ፀብፃብ ቀሪቡ።

ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚዲያ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ፥ እቲ ዛልባ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንምግታእ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝወፅአ ኣዋጅ ንምፍፃም ዘኽእል ደንቢ ክሰናዳእ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፀጋዬ ወንድወሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.