Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ንምፍታሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተዋደደ መገዲ ክስራሕ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገማት ፀጥታን ድሕንነትን ንምፍታሕ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተዋደደ መገዲ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ኣይተ ጌታቸው፥ ኣብ በቢኸባቢኡ ዝረኣዩ ዘለው ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ፀገማት ብመሰረቱ ንምፍታሕ ከም መንግስቲን ህዝብን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብዝተዋደደን ብልዑል ስምረትን ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ህልው ኩነታት ፀጥታን ድሕነትን ትግራይ ዝጠመተ ክልላዊ መድረኽ ኣብ ዝተሳለጠሉ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብዘመሓላለፍዎ ናይ ስራሕ መምርሒ፥ ህዝብን መንግስትን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ሰላሙን ደሕንነቱን ውሑስ ክገብር ከምዝግባእ ገሊፆም።
“ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ብዘተኣማምን ብርኪ ውሑስ ናይ ምግባር ጉዳይ፣ ቁልፍን መሰረታዊን ብምዃኑ፣ ከም ክልል ኣብዚ መዳይ ዘለና ዕቑር ልምድን ተመኩሮን ኣወሃሂድና ብምጥቃም ጭቡጥ ለውጢ ክነመዝግብ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ ኣለና” ኢሎም።
እቲ መድረኽ ጭቡጥ ኩነታት ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ብዝርዝር ብምምርማር እቶም ዝረኣዩ ዘለው ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ፀገማት ብመሰረቱ ንምቕራፍ ዘኽእል ስትራቴጂን ኣንፈታትን ንምቕማጥን ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእን ዝዓለመ ኢዩ።
ስለዝኾነ ካብ ኩለን ወረዳታት፣ ዞባታትን ክልልን ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ናይ ፀጥታ መሓውር እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.