Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብ10 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ህንፀት ዓቕሚ ፍሪያት ጫማ ዕላዊ ክኸውን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ሓበሬታ ኢኮኖሚ ቡሳ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ብ10 ሚሊየን ዶላር ፕሮጀክት ህንፀት ዓቕሚ ፍሪያት ጫማ ዕላዊ ክገብር ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ኣብ ዓውዲ ፍሪያት ጫማ፣ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምሃናፅ ዝጠመተ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኤጀንሲ ዓለም ለከ ልምዓት ኮርያ (ኮይካ) ንመፈፀሚ እቲ ፕሮጀከት ዝዉዕል 10 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ከምዝሽፍን ተገሊፁ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኮርያ ሪፐብሊክ ደሴ ዳልኬ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዎን ርክብ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኢዩ ኢሎም።

ርክብ ክልቲኦን ሃገራት ኣብ ዓዉዲ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ኢትጵያ ዝርከቡ ኣፍረይቲ ጫማ ኣፍረያየነቶም ንምድንፋዕ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ደሴ ንኤጀንሲ ሓበሬታ ቡሳን ኢኮኖሚክን ንቡሳን ከተማ ሜትሮፖሊታንን እቲ ፐሮጀክት ጋህዲ ንክኸዉን ንዝገበርዎ ድጋፍ ኣመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.