እዋን ዘርኢ በፂሑ ሕፅረት ዘመናዊ ዱዅዒ ንዘጋጠሞም ከባቢታት ቀዳምነት ምሃብ ይግባእ-ሚኒስቴር ግብርና
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋን ዘርኢ በፂሑ ሕፅረት ዘመናዊ ዱኵዒ ንዘጋጠሞም ከባቢታት እዋን ዘርኢ ካብ ዘይበፀሐሎም ከባቢታት ክቀርብ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፥ ክሳብ 30 ሰነ 2015 ዓም ዕድጊት ዝተፈፀመሎም 12 ነጥቢ 87 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ዓዲ ውሽጢ ከም ዝኣትወ ተዛሪበን።
ዕድጊት ካብ ዝተፈፀመሞ 12 ነጥቢ 87 ሚሊየን ኩንታል እቲ 6 ነጥብ 25 ሚሊየን ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ብሓፈሻ ልዕሊ 5 ሚልየን ኩንታል ናብ ሓረስቶት በፂሑ እዩ ኢለን።
2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ዝተፈላለያ መኽዘን ሕብረት ስራሕ ከምዘሎ ብምሕባር፥ እዋን ዘርኢ ናብ ዝበፀሖም ከባብታት ክከፋፈል እናተገበረ ኢዩ ኢለን።
እዋን ዘርኢ በፂሑ ሕፅረት ዘመናዊ ዱኹዒ ኣብ ዝገጠሞም ከባቢታት እዋን ዘርኢ ካብ ዘይበፀሐሎም ከባቢታት ክቀርብ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ምኳኑ እውን ኣፍሊጠን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።