ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ክጋደድ ብምግባር ንረብሐኦም ደው ዝበሉ ኣካላት ከምዝነበሩ ኣክቲቪስት ናትናኤል ኣስመላሽ ተዛሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ን3 ዓማውቲ ሰላም ፀሚእዎም ሰላም እናደለየ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ኣክቲቪስት ናትናኤል ኣስመላሽ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ብዝተኸተመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ፤ እቲ ህዝቢ መሊሱ ናብቲ ንብሩ ንክምለስ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሉ ፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ህዝቢ ዋላ’ኳ ኣብ ፅባሕ ዉዕሊ ሰላም እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ብርክት ዝበሉ ንናይ ዓርሶም ረብሓ ጥራሕ ደው ዝበሉ ከምዘለዉ ኣክቲቪስት ናትናኤል ገሊፁ፡፡
እዞም ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት ካብቲ ተግባሮም ክዕቐቡ ንምባል ህዝቢ ትግራይ ክነቕሐሎም ከምዝግባእ ድማ ተዛሪቡ፡፡
ብፍላይ ናብ ትግራይ ዝልኣኹ ሰብኣዊ ረድኤታት በዞም ብኲናት ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት ብምጉሓል እቲ ህዝቢ ተረባሒ ንከይኾን ገይሮም እዮም፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነዚ ደው ንምባል ኣብ ቀረባ እዋን ዝውፅእዎ መግለፂ ግቡእ ዝኾነን ዝነኣድን እዩ ድሕሪ ምባሎም ፤ ነቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ካብቲ ቅድም ክብል ዝነበረ መሪሕነት ዝሓሸን ዲሞክራሲያውን ምዃኑ ዘርኣየ እዩ ኢሉ፡፡
ነዚ ተግባረ ናብ ባይታ ንምውራድ እቲ ስጉምቲ ካብ መግለፂ ሓሊፉ ናብ ተግባር ክእተው ከምዘለዎ ድማ ኣመላኺቱ፡፡
ብወገን ህዝቢ ትግራይ ድማ ይብል ኣክቲቪስት ናትናኤል ነዞም ዘይሕጋውያን ደው ንምባል እቶም ዝፍፀሙ ገበናት ብምቅላዕ ብድፍረት ንመሰሉ ክቃለስ ከምዘለዎን ነቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክድግፉ ከምዘዝግባእን ወሲኹ ሓቢሩ ፡፡
ብፋኑስ መብራህቱ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።