Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ትልምታት ሒዚ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ትልምታት ሒዚ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ጎንፂ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ትካላት ጥዕና ንዝኸፍአ ዕንወት ከምዘጋጠመ እውን ዝፍለጥ እዩ፡፡

ስለዝኾነ እተን ትካላት ጥዕና ናብ ንቡር ስርሐን ንምምላስ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ብርክት ዝበሉ ትልምታት ሒዞም ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማንኤል ሃይለ ተዛሪቦም።

ወሲኾም ድማ ዶ/ር ኣማኒኤል ብምኽንያት ምስኣን ኣፋውስ እቶም ዝነበሩ ሕማማት ተጋዲዶም ካልኦት ሓደሽቲ ሕማማት ሒዞም ከምዝመፁ ተዛሪቦም።

ንኣብነት ከም ሕማማ ዓሶ ብመልክዕ ለበዳ ምርኣይ ደው ካብ ዘበለ ነዊሕ እዋን ከምዘቑፀረ ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ተጋዲዱ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ሆስፒታል ክትሃንፅ፣ ኣቑሑት ክተማልእን ንሕብረተሰብ ብዝግባእ ንምግልጋልን ነዊሕ እዋን ይወስድ እዩ፤እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ስርዓት ጥዕና እውን ኣብ ሓፂር እዋን ዝተሃንፀ ኣይኮነን ነዊሕ እዋን ዝወሰደ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኮይኑ ግና ሐዚ ብዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ጥራሕ ክፍታሕ ስለዘይኽእል ሓደ ሆስፒታል ምስ ካልእ ሆስፒታል ብምርኻብ ዘይቋረፅ ህፁፅ ዝኾነ ሓገዝ ንክግበር ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብምሕረት ለኣከ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.