Fana: At a Speed of Life!

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ  ልዕሊ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ናውቲታት ትምህርቲ ንትግራይ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ 5 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ናውቲታት ትምህርቲ ንትግራይ  ሂቡ።

እቲ ደገፍ፥ 61 ኮምፒተራት፣ 100 ሺሕ ጥራዝ፣ 10 ሺሕ ቢሮን ካልኦት ናውቲታትን ዘካተተ ኢዩ።

ብድምር ናይ 5 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ናውቲታት ትምህርቲ ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ስነ ስርዓት ምርኽኻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ እንትኾን፥ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ክልል ኦሮሚያ ገላና ወልደሚካኤል(ደ/ር) እቲ ናውቲ ኣረኪቦም።

እቶም ምክትል ሓላፊ፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ክሳብ ዝምልሱ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ነቲ ደገፍ ዝተረከቡ ተወካሊ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ኣረጋዊ ብግደኦም፥ ክልል ኦሮሚያ ንዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳይ ደገፍ ምምስጋኖም ኣብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.