Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መረፃ ፕሬዚዳንታዊን ፓርላማን ቱርኪ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መረፃ ፕሬዚዳንታዊን ፓርላማን ቱርኪ ድምፂ ምሃብ ተጀሚሩ።

ልዕሊ 64 ነጥቢ 1ሚሊየን ቱርካውያን፥ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ከገልግሉኒ እዮም ዝበሉዎም ፕሬዚዳንትን ኣባላት የፓርላማን ንምምራፅ ተመዝጊቦም።

በዚ ድማ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ መረፅቲ ናብ ጣቢያታት መረፃ ብምኻድ ድምፂ መሃብ ምጅማሮም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ካብ ሞንግ ልዕሊ 64 ነጥቢ 1ሚሊየን ዝተመዘገቡ መረፅቲ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 76 ሚሊየን ዝኾኑ ካብታ ሃገር ወፃእ ዝርከቡ ከምዝኾኑን 4 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ንፈለማ እዋን ዝመርፁ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.