Fana: At a Speed of Life!

“ኦሬንጅ” ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምውፋድ ባህጊ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኦሬንጅ” ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምውፋድ ባህጊ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካን ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ናይ ዝተዋፈረ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን “ኦሬንጅ” ጀሮም ሄኒክ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ንዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ዓውዲ ቴሌኮምን ምስ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስራሕ ዘርኣዮ ቁርፀኝነት ገሊፆም።

ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት እውን ተላዚቦም።

ንኣብነት ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ምጅማሩን ትራንስፎርሜሽን ኢትዮ ቴሌኮምን ብዝምልከት ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ጀሮም ሄኒክ ብግደኦም፥ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዕዳጋ ቴሌኮም ኣፍሪካ መዋእለ-ንዋዩ ብምፍሳስ ዘመዝገቦ ዓወት ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.