Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌደራል ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት 8 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ሸሞንተ ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቦረና፣ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶን ክልል ሶማሌን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ከመዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል እቲ ሓገዝ ንተወከልቲ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሰራዊት ፖሊስ ፌዴራል እቲ  ፀገም ከም ናቱ ቆፂሩ ብድሌቱ ካብ መሃይኡ ኣዋፂኡ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝገበሮ ሓገዝ ኢዩ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ካብ ፀገም ወፂም ናብ ዘላቒ ልምዓት ክሳብ ዝኣትዉ ሓገዝ ብምግባር ድሉዋት ኢና ምባሎም ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.