Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኤርዶሃን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ 45 ሚኢታዊ ወሰኽ መሃያ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይፕ ኤርዶሃን ንሰራሕተኛታት መንግስቲ 45 ሚኢታዊ ወሰኽ መሃያ ከምዝገበሩ ኣፍሊጦም።

ፕሬዚዳንት ኤርዶሃን ወሰኽ መሃያ ገይሮም ዘለዉ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ግንቦት ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ስዒቡ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ወሰኽ መሃያ ትሑት ተኸፈልቲ ንዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያኦም ናብ 15 ሺሕ ናይ ቱርኪ ሊሬ ክብ ከምዘብሎ ተገሊፁ፡፡

ዝቕፅል መረፃ እንተስዒሮም ድማ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፅዕንቶ ከይፈጥር ኣድላዪ ምምሕያሻት ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ንቱርኪ ዝመርሑ ፕሬዚዳንት ኤርዶኻን÷ ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ኣብታ ሃገር ዓበይቲ ለውጢታት ከምዘመዝገቡ ኣር ቲ ኣብ ፀብፃቡ ኣንቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.