Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ፈረንሳይ ንሆስፒታል ኣብዓላ ዝውዕል 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብ ክልል ዓፋር ንሆስፒታል ኣብዓላ መሊስካ ንምህናፅ ዝውዕል 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

ስምምዕነት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኢትዮጵያ ረሚ ማርሻክስ ከምኡ እውን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ዓፋር ያሲን ሓቢብ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተገበረ ኢዩ።

ኤምባሲ ቅድም ክብል ንዳግመ ህንፀት ሆስፒታል ደሴ ዝውዕል 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ ነይሩ።

ኣምባሳደር ረሚ ማርሻክስ÷ እቲ ኤምባሲ ስምምዕነት ሰላም ንኽጠናኸር ሓገዝ ከምዝገብር ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሆስፒታል ዓድዋ መሊስካ ንምህናፅ ዘኽእል 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣቲዮም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደደአን÷ እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ብጎንቲ ንዝተጎድኡ ከባቢታ ንካልኣይ ዙር ዝተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ሓገዝ ዳግመ ህንፀት ብዝሐሸ ብርኪ ንምቅጣፍን ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብን ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.