Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ማላዊ መዘናኣ ኣብ ሞዛምቢክ ክትፃወት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ማላዊ መዘናኣ ኣብ ሞዛምቢክ ከምትፃወት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ 13 ሰነ 2015 ዓ.ም 5ይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ትገብር እንትትከውን÷ ፀወታኣ ኣብ ስታዲየም ሞዛምቢክ ንምግባር ቆፀሮ ከምዝሓዘት ንካፍ ኣፍሊጣ፡፡

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ እቲ ፀወታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዝርከባ ስታዲየማት ንምክያድ ፃዕሪ ይግበር እምበር ክሳኻዕ ብዘይምኽኣሉ፤ ሞዛምቢክ ሕርያ እታ ሃገራዊት ጋንታ ከምዝኾነት ገሊፁ፡፡

ቅድም ክብል ኣብ ሞሮኮ ዝገበሮም 3ይን 4ይን ምድብ ፀወታ ብጊኒ መዘነኣ ከምዝተሰዓረት ይዝከር፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.