Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ማልታን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ማልታን ኣብ ዓውዲታት  ኣቪዬሽን ፣ ቱሪዝምን  ዲፕሎማቲክ ስልጠናታትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዐነት ከቲመን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ  ሪፐብሊክ ማልታ ኢያን ቦርግን ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ከምኡውን ዓለም ለኻዊ መድረኽ ዘለወን ምትሕብባር ክብ ንምባል ዝዓለመ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣይተ ደመቀ፥ ማልታ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዝገበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ደገፍን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲኣ ምኽፋታን ንኢዶም።

ማልታ ግዚያዊት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምዃና ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ፃንሒታ ረብሓ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዝሓለወ ስራሕ ንምስራሕ ምድላዋ ኢያን በርግ ምርግጋፆም ሓቢሮም።

ኢያን ቦርግ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዑል ግደ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ስለዝኾነ ፈላማይ ዑደቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምግባሮም ተዛሪቦም።

ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብእወንታ ከምዝርእይዎ ብምግላፅ፥ ሕብረት ኣውሮፓ እውን ንኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ክገብር ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.