Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ቴክሳስ ሸሞንተ ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ዕጡቕ ኣብ ሰሜን ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሞል ዕዳጋ ንዝነበሩ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ከምዝቐተለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሞል ዝነበሩ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ክወፅኡ ከምዝኸኣሉን ሓደ ሰብኣይ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መገዲ ከምዝተኮሰ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆም።

ፖሊስ ነቲ ዕጡቕ ብጥይት ከምዝቐተሎን በይኑ ምዃኑ ከምዝኣምንን ገሊፁ።

ካብቶም ግዳያት ህፃናት ከምዘለውዎ ተሓቢሩ።

ዕድመ እቶም ግዳያት ካብ 5 ክሳብ 51 ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.