Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ መዓልቲታት እዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።

ትማሊ ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተገበረ ማራቶን ፕራግ ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ወርቅነሽ ኢዴሳ እንትትዕት ብደቂ ታባዕትዮ ኣትሌት ሲሳይ ለማ ካልኣይ ወፂኡ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ፍርቂ ማራቶን ፒትስበርግ ኣትሌት ብዙዬ ድሪባ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ ቻይና ውድድር ማራቶን ሻጎን ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ኣልማዝ ጥላሁንንና እታፈራሁ ዱባለን ቀዳመይቲን ካልእቲን ብምውፃእ ተዓዊተን።

ኣብቲ ውድድር ብፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ኢብሴ ኣየለ እንትትዕወት÷ ኣትሌት ሂሩት ጀንበሩ ካልአይቲ ወፂኣ።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገመቹ ጊሼን ኣማን ካዲን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ውድድሮም ብፀብለልታ ዛዚሞም።

ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ስፖኬን ዝተኻየደ ውድድር 12 ኪሎ ሜትሮ÷ ብክልቲኡ ፆታ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ጀማል ይመር ቀዳማይ ኣትሌት ሞገስ ጥዑማይ ሳልሳይ እንትወፅኡ÷ ኣትሌት የሺ ካላዩ ብደቂ ተባዕትዮ ቀዳመይቲ ወፂኣ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.