Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢን ላዕለወይቲ ሓላዊት ማህበረት ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ሳህለወርቅ ዘውዴ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፅሐኩም ኣመሓላሊፈን፡፡

እቲ መዓልቲ ብብርኪ ዓለም ንመበል 76 ግዘ፤ ብብረኪ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 65 ግዘ ዝኽበር እንትኸውን÷ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን እዚ ዓመት “ካብ ልቢ ንሰብኣዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝኽበር ተገሊፁ፡፡

እቲ መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ ዓለም ብተፈጥሮን ሰብ ሰራሕ ሓደጋ ዝጉድኡ ሰባት ዘድሕኑ ገበርቲ ሰናይን ሰራሕተኛታትን÷ ስፍሓትን መጠንን እቶም ፀገማት ደው ዝበልሉ ዕላማ ተረዲኦም ተስፋ ህይወት ተሓገዝቲ ዘለምልም ሰብኣዊ ኣገልግሎት ቅድሚት ዝህቡ ምዃኖም ንምርኣይ ምዃኑ እተን ፕሬዚዳንት ገሊፀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን እናተጋደዱ ዝመፁ ሰብኣዊ ቁልውላዋት፤ ብፍላይ ብሓደጋታት ጎንፅን ድርቂን ንጉድኣት ዝተሳጥሑ ወገናት ንምድሓን ገበርቲ ሰናይን ሰራሕተኛታትን ቀይሕ መስቀል ኣብ ኣፀገምቲ ኩነታት ብምዃን ምንቅስቓሶም ከም ኣብነት ኣልዒለን፡፡

ሕብረተሰብ ኣብ ጎኒ ዓውዲ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ገበርቲ ሰናይን ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ደው ብምባል÷ ነቲ ማሕበር ኣድላይ ድጋፍ ንክገብር ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.