Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ዝጠመተ ልዝበ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ጀርመን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብምእታው ከፍስሱ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ዝጠመተ ልዝበ ተገይሩ።

ብምክትል ሚኒስትር ኢኮኖሚን ሓለዋ ንብረት ኣየርን ጀርመን  ዩዶ ፊሊፕ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምንቅስቓስ ስራሕ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ተዓዚቦም።

ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰን ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ለሊሴ ነሚ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንዘፍሰሱ ሰብ ሃፍቲ ዝቐርቡ መበረታትዒታትን ዘፈራት ስራሕን ከምኡ እውን ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝምልከት ገለፃ ከምዝተገበረ ካብ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቶም ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ጉጅለ ልኡኻት÷ ሰብ ሃፍቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ስራሕቲ ድጋፍን ክትትልን ከምዝገብሩ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.