Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ልምዲ ንሃገራት ኣፍሪካ ክተካፍል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ልምዲን ሓይሊ ሰብን ንሃገራት ኣፍሪካ ክተካፍል ሲዲሲ ኣፍሪካ ሓቲቱ።

ሚኒስትር ጥዕና ሊያ ታደሰ (ዶ/ር) ሓዱሽ ምስ ዝጸሶሙ ዋና ዳይሬክተር ሲዲሲ ኣፍሪካ ዢን ካሴያን (ዶ/ር) ተዛቲየን።

ዋና ዳይሬክተር ሲዲሲ ኣፍሪካ ዢን ካሴያን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዋ ልምዲን ሓይሊ ሰብን ንሃገራት ኣፍሪካ ንኽተካፍል ሓቲቶም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር÷ ሚኒስቴር ጥዕና ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል እናወሰዶም ዝነበ ስጉምቲታት ንኢዶም።

ብፍላይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ህይወት ኣድሕን ዝኾኑ ናውቲ ሕክምና ኣብ ምብፃሕ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ናእደኦም ለጊሶም።

ሚኒስትር ጥዕና ሊያ ታደስ (ዶ/) ር ብግደአን÷ ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥዕና ሕብረተሰብ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብፍላይ ክታበት ተበፃሒ ኣብ ምግባርን ክታበት ንምፍራይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምኡ እውን ስርዓት ጥዕና ኣብ ምጥንኻር ዘለሎ ምትሕብባር ጥንኩር ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ሓይሊ ሰብ ንምልማዕ ልዑል ኢንቨስትመንት ከምዘፍሰሰት ኣብሪሀን።

“ኢትዮጵያ ልምዳ ካብ ምክፋል ሓሊፋ ዘፍረየቶ ሓይሊ ሰብ ዘፈር ጥዕና ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልውቲ ኢያ” ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.