Fana: At a Speed of Life!

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኣይ ምዕራፍ መስፋሕፍሒ ሆቴል ስካይ ላይት ዛዚሙ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኣይ ምዕራፍ መስፋሕፍሒ ሆቴል ስካይ ላይት ዛዚሙ የመርቕ ኣሎ።

ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣመራርሓታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሆቴል ኣብ 11 ሺሕ 500 ካሬ ሜትሮ ቦታ ዝዓረፈ ከምዝኾነን 651 መደሲ ክፍሊታን ኣለዉዎ፡፡

እቲ ሆቴል÷ ዝተፈላለዩ እንዳ ምግቢታ፣ መእከቢ ኣዳራሽ፣ ማእኸላት ጥዕና ከምኡ እውን ልዕሊ 400 መኻይን ዝሕዝ ትሕቲ መሬት ዝተሃነፀ መቖሚ መኪና ኣካቲቱ ዝሓዘ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሓፈሻዊ ወፃኢ መህነፂ እቲ ሆቴል 155 ሚሊየን ዶላር ከምዝኾነ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡

ብምንይችል ኣዘዘው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.