Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ኡባ ደብረ ፀሃይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 12 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ኡባ ደብረ ፀሃይ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘስዐቦ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት 12 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ካሳሁን ኣባይነህ ከምዝገለፁዎ÷ በኣብ ከተማ ዛባ ትማሊ ምሸት ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ብዘስዐቦ ውሕጅ ክሳብ ሕዚ 12 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

በቲ ሓደጋ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ዝፈረሱ እንትኾኑ፥ ንግዚኡ ግምቱ ዘይተፈለጠ ንብረት ከምዝዓነወ ምዝራቦም ትካል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣለሻ ኣስከሬን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምሕባር÷ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል እውን ኣመልኪቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.