Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ቱርኪን ርክበን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቱርኪን ኣብ ዓውዲታ ዲፕሎማሲ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ተስማዕሚዐን፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ቡራክ ኣክፓር ኣብ ክልተኣዊ ሃገራዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ዘተኦም÷ ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ገለፃ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብፍላይ ቱርኪ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽትገብር እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ቡራክ ኣክፓር ብግደኦም÷ ፃዕሪ ሰላም መንግስቲ ብምንኣድ ማሕበረሰብ ንግዲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ክዋፈር ከምዝደሊ ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.