Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ቀረብ ነዳዲኣ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ እስያ ክተዝውር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሚያዝያ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ናብ ወፃኢ ካብ ትልእኾ ቀረብ ነዳዲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ናብ እስያ ክተዝውር ምዃና ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣሌክሳንደር ኖቫክ ገሊፆም።

ሩሲያ ኣብቲ ውሳነ ዝበፅሐት÷ ምዕራባውያን ማዕቐብ ምንባሮም ስዒቡ ምዃኑ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ኣባል ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ብባሕሪ እናቐረበሎም ዝነበረ ናይ ሩሲያ ነዳዲ ምቕባል ኣቋሪፀን ኢየን፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ÷ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7ን መሓዙቶምን ካብ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ድፍድፍ ነዳዲ ክሳብ 60 ዶላር ዝበፅሕ ገደብ ዋጋ ምንባረን ይዝከር።

ሩሲያ ቅድም ክብል ንኣባል ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ክትልእኾ ካብ ሞንጎ ዝነበረ 220 ሚሊየን ቶን ድፍድፍን ዝተፃረየን ቀረብ ፍርያት ነዳዲ 140 ሚሊየን ቶን ዝኸውን ናብ እስያ ከምተዝውር ኣፍሊጣ ኣላ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ንምዕራባውያን ካብ 80 ክሳብ 90 ሚሊየን ቶን እኹል ኢዩ” ክብሉ ተሰሚዖም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.