Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ተግባር ምንቅስቓስ ፅንፈኛታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ የምክን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ናይ ባዕሎም ውዳበ ፈጢሮም ብዘይሕጋዊ መገዲ መንግስቲ ንምትካእ ዝሓሰቡ ኣካላት ልኡኽቶኦም ንምፍሻል ዝጀመሮ ተግባር ኣጣናኺሩ ቀፂሉ።

ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ብሓይሊ ንምፍራስን እኩይ ድሌት ፖለቲካ ንምዕዋትን ኣመራርሓታት ብምቕታል፣ አብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ራዕዲን ፍርሒን ብምፍጣር እኩይ ድሌቶም ንምዕዋት ብዘይሕጋዊ መገዲ ተወዲቦም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ፅንፈኛታት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተግባሮም እናምከነ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ካብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ዱር ተኩለሽ ጉድጓ ኩዒቱ ኣብ ዘሰናደኦ መኽዚን ዝቐበሮም ዝተፈላለዩ ኣፅዋራትን ተተኮስቲን ከምዝሓዘ ፍልፍላት ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን የረድኡ።

እዚ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ናብ መገዲ ሰላም ንኽመፅእ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ብምርጋፅ፤ ሓይሊ ጥፍኣት ኮይኑ ንኽቕፅል ዝሃቀኖ መገዲ ብኣካላት ፀፅታን ድሕነትን እናፈሸለ ይርከብ።

ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ብገንዘብን ፕሮፖጋንዳን ተወዲቡ፣ ተግባር ግብረ ራዕዲ ነምፍፃም ዝተጣየሸ ዘይሕጋዊ ቡድን፣ መዋፈርቱን ወፈርቱን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ይርከቡ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ ፅንፈኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ልኡኽቶኦም ንምፍሻልን ዝጀመሮ ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፁ።

ሕብረተሰብ እናርአዮ ዝርከብ ሽርሒ ጥፍኣት ፅንፈኛታት ንምፍሻልን ንኣካላት ፀፅታ ዝገብሮ ሓገዝ ሓበሬታን ኣጠናኺ ንኽቕፅል እቲ ግብረ ሓይሊ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.