Fana: At a Speed of Life!

ብዝውውር መዐወኒ እፃት ዝተጠርጠረ ጋዜጠኛ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዝውውር መዐወኒ እፃት ዝተጠርጠረ ጋዜጠኛ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

እቲ ጋዜጠኛ  ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዱባይ እቲ መዐወኒ እፅ ንምትሕልላፍ ክብል ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ጉዕዞ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ከምቲ ልሙድ ተፍቲሽ ሻንጣን ኣካል ሰብን ብምግባር ክሓልፍ ዝነበረ ብመልክዕ ሑሩጭ ዝተሰናድአ 2 ነጥቢ 10 ኪሎ ግራም  ኮኬይን እፅ ምስቲ ተጠርጣሪ ጋዜጠኛ ሰዓት 2፡40 ምሸት ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ ዝግበር ምርመራ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ በምግላፅ፥ እቲ ውልቀ ሰብ ቅድመ ሐዚ ብሰባት ኣበሉ መዐወኒ ሓደገኛ እፅ ይልእኽ ከምዝነበረ ውፅኢት ምርመራ ፖሊስ ከምዘርእይ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.