Fana: At a Speed of Life!

ርዕሰ ምምሕዳር ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ብሕልፈት ግርማ የሺጥላ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ (ዶ/ር) ብሕልፈት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ኣምሓራ ግርማ የሺጥላ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መግለፂ ሓዘኖም÷ “ሓውና ግርማ የሺጥላ ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብዝተዓጠቑ ሓይሊታት መቕተልቲ ፈፂሞምሉ፤ ከምዚ ዝበለ ተግባር ውድቀት እምበር ዓወት ኣየጎናፅፍን፤ ጥፍኣት እምበር ሰላም ኣይህብን” ኢሎም፡፡

“ዝፀንሐ መግለፂ ህዝቢና ስርዓታዊነት፣ ፍትሓዊነትን ማዕርነትን ኢዩ፤ ምስዚ ታሪኹን ስነ-ልቦንኡን ዝፃረሩ ተግባራት ብሙሉእ ስርዓት ኣልቦ ዝወለዶም ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም።

ብሕጊን ስርዓትን እምበር ብዕስለ ፍርዲ ናይ ውልቀ ይኹን ጉጅለ፤ ከምኡ እውን ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ይኹን ሃገር ምዕዋት ኣይከኣልን፤ ምኽንያቱ ድማ መወዳእታ ስርዓት ኣልቦነት ጥፍኣትን ምጥፍፋእን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ህዝቢ እቲ ክልል ዘላቒ ሰላሙ ንምርግጋፅ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ኣልቦን ዘይሕጋዊ ተግባራትን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ክኹንን ክቃለስን ከምዝግባእ ፀዊዖም።

ብተመሳሳሊ ዜና ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ብሕልፈት ኣይተ ግርማ የሺጥላን ሓለውቶምን ብዝተዓጠቑ ፅንፈኛ ሓይሊታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ከምኡ እውን መማኽርቲ ጉባኤ ምሁራን ክልል ኣምሓራ ብሕልፈት ኣይተ ግርማ የሺጥላ ዝተፈፀመ ቅትለት ብፅኑዕ ብምኹናን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.