Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሺ ጂን ፒንግ ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂን ፒንግ ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብስልኪ ተዛቲዮም።

ዘተ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት÷ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተገበረ ፈላማይ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ሺ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዘጠናኽር ልኡኽ ናብ ኬይቭ ንምልኣኽ ከምዝሓሰቡ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ብግደኦም÷ ቻይና ናብ ዩክሬን ዲፕሎማሰኛታት ንምልኣኽ ምሕባ ዲፕሎማሲዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም፡፡

እቲ ልዝብ ብዕድመ ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን መፍትሒ ንኽረክብ ቻይና ግደኣ ከምትዋፃእ ምፍሊጣ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.