Fana: At a Speed of Life!

ዒድ ሸዋል ኣብ ሃረር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መግለፂ ህዝቢ ሃረሪ ዝኾነ በዓል ዒድ ሸዋል ኣብ ከተማ ሃረር ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል÷ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኦርዲን በድሪ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ሓዊሱ ዕድመ ዝተበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ኣብቲ በዓል÷ ባህላዊ ፌስቲቫል፣ ምርኢትን ዓውደ ርእይን ዘዝተፈላለያ ክልላት ቀሪቦም፡፡

እቲ በዓል ክብሪታት ምክእኣል፣ ሓድነትን ሰላምን ከምኡ እውን ብፍላይ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ምድንፋዕ ረብሑኡ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣከባብራ በዓል ዒድ ሸዋል ኣብ ዩኔስኮ ዝይድህሰስ ሓድጊ ንምምዝጋብ ፃዕሪ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ብመራኦል ከድርን ያስሚን ሰዒድን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.