Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ክሳብ 12 ክፍሊ ንዘለዉ ተምሃሮ ምዝገባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ምዝገባ ኣብ ኩለን ኣቢያተ ትምሀርቲ ከምዝተጀመረ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሎሚ ዕለት ድማ ካብ ቅድመ ስሩዕ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ምዝገባ እናካየደ ከምዝወዓሉ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ ቢሮ ዳኘው ኣይጠገብ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ኣብ ክልለ ትግራይ 23 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ስሩዕ ትምህርቲ ከምዝጅመር እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ እዋን ጎንፂ ዝባኸነ እዋን ትምህርቲ መከሓሓሲ እዋን ትምህርቲ ከምዝወሃብ ኣመልኪቶም፡፡

ብምኽንያት ኲናት ካብ ከባቢኦም ዝፀንሑ ተምሃሮ ንምምላስ ከምኡ እውን በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ኣቢያተ ትምህርቲ ብምፅጋን ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ክልል ትምህርቲ ንምጅማር ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መዳርግቲ ኣካላትን ብጥምረት እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮናን ብዝበረ ጎንፂን ንሸውዓተ ሴሚስተር ትምህርቲ እንተይተወቅሃባ ምፅንሑ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.