Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ናብ ኡጋንዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኡጋንዳ ኣቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኡጋንዳ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ሄነሪ ኦኬሎ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ኣይተ ደመቀ÷ ሎሚ  ኣብ ኡጋንዳ ዝገብሩዎ ዑደት ጀሚሮም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስት ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብዛዕባ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ኡጋንዳ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ሶማሊያ ሰራዊት ዘበርከታ ሃገራት ከምዝሳተፉ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.