Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሕጊ ንግዲ ብምኽላስ ሓዱሽ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ደንጊጋ ኢያ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሕጊ ንግዳ ከምዝኸለሰትን ሓዱሽ ኣዋጅ ኢንቨስትመንት ከምዝደንገገትን ሚኒስትር ገንዘብ  ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣፍሊጦም

ዓለም ለኸ ትካላት ንግዲን ሰብ ሃፍቲን ዝሳተፉሉ ፎረም “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ ፎረም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኣብ ውሽጣ ጉጣባዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ግደ ዘፈር ውልቀ ንምድንፋዕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ-ንዋይ ንምፍሳስ ድሌት ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብኽፋል ናብ ውልቀ ንምሕላፍ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ብኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ኣቢላ ዘፈር ንግዲ ንምስላጥ ማእኸል መብፅሒት ኢንቨስትመንት ምዃና ገሊፆም፡፡

ብዙሓት መዕረፊ ቦታታት ዘለዉዎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ÷ ሰብ ሃፍቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፍርያቶም ኣብ ምብፃሕ ካሊእ ምቹው ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ኣሕመድ÷ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብ፣ መዋእለ-ንዋዮም ንኸፍስሱን ኣብ ኢትዮጵያ ክፀንሑን ንምግባር መንግስቲ ብቖራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብ ዘለዋን መብፅሒ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ካብ ሞንጎ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃናን እውን ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.