Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንተካይዶም ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ሓገዝ ከምትገብር ቻይና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንተካይዶም ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ምትካል እግሪን ሓገዝ ከምትገብር ቻይና ገሊፃ።

ኣቐባሊት ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማኦ ኒንግ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ተፈቲሑ ከይዲታት ሰላም ከምዝተጀመሩ ኣልዒለን፡፡

እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ ድሌታት ዘሎ ቅራነ ንምትዕራቕን ብዝርርብን ሓድነት ንምርግጋፅ ዝበረታታዕ ዝላ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ ከይዲ ሰላም ዝተረኸበ ውፅኢት ዓወትን ድሌትን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኢዩ” ዝበላ ማኦ ኒንግ÷ ብሽም መንግስቲ ቻይና ንኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ደስ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፈን፡፡

ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንሰላምን ሓድነትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ ምባለን ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንምሕላው ትወስዶም ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ቻይና ብፅኑዕ ከምትድግፎ እውን ማኦ ኒንግ ተዛሪበን፡፡

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝግበሩ ዝርርባት ብፅቡቕ ጎኒ ከምትምልከቶምን ኣብ ምርድደዳእ ንምብፃሕ ዝግበሩ ፃዕሪታት እናደገፈት ምፅናጀሓ ሓቢረን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ውሽጣዊ ጎንፂ ንኸብቅዕን ሰላም ንኸዓስልን ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍልጦ ምሃቦም ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.