Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኮሞሮስን ርክበን ንምምሕያሽ ዘኽእለን ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኮሞሮስን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምምሕያሽ ዘኽእለን ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ደመቀ መኮንን÷ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገብሩዎ ዑደት ስራሕ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮሞሮስ ሜሮኒ ምእታዎም ይፍለጥ፡፡

ኣይተ ደመቀ ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ምስ ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ÷ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ገለፃ ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ኣዛሊ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እዚ እዋን ብምዃኖም÷ ሰለስተኣዊ ልዝብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ግደ መሪሕነት ከምዘለዎም ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣገንዚቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ኣዛሊ ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ብምዕሳሉ ከምዝተጎሱ ገሊፆም፡፡

ክልተኣዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻን ልምዓት ዓሳን ምጥንኻር ከምዝከኣል ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ጠሚቱ ሰለስተኣዊ ድርድር ንኽቕፅል ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ኩነታት ፀፅታ ሱዳን ብልዝብ ንኽፍታሕ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚነስትር ኣቢይ ኣሕመድን ነቶም ፕሬዚዳንት ኣብፂሖም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.