Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ምኽክር ስግግር ፍትሒ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ምክያድ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ክልላት ዝካየድ መድረኽ ምኽክር ስግግር ፍትሒ ኣብ 58 ከተታት ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሃሰ ኣብ ዘሎ ግዘ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብታ ሃገር ዝረአዩ ዝፀንሑ ሰፋሕቲን ዝተሓላለኹን በደላት፣ ፈተናታትን ጎንፂታትን ብምልዓል ሙሉእ ፍትሒ ዝወሃበሉ መገዲ ምዝርጋሕን ማሕበረሰብ ናብ ናይ ቀደም ኩነታት  ከይምለስ ንምግባር ዘኽእል ዘላቒ ሰላም፣ ዕርቂን ልዕልነት ሕጊን ዝዓሰሎ ስርዓት ምህናፅ ኣድላዪ ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስርዓት ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ምግባር ንሰላም፣ ዴሞክራሲን ምዕባለን ሃገር ርኡይ ታራ ዝፃወት ምዃኑ ብምግንዛብ፤ እቲ ከይዲ ብዝተማለአን ብዝተዋደደን መልክዑ ንምትግባር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ምፅንሑ ኣልዒሉ።

ብመንፅር እዚ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ምሕንፃፅ፣ ስራሕ ንምጅማር ዘኽእሉ ኣማራፂታት ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ መበገሲ ሰነድ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣብ ዘዋደዶ ላዕለዋይ ጉጅለ ሰብ ሞያ ከምዝተዛዘመ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

ንምድላው ፖሊሲ ሃገራዊ ስግግር ፍትሒ ዘድሊ ብሄራዊ ምኽክር መጀመሪ ስነ-ስርዓት ሰኑይ 27 ለካቲት 2015 ዓ.ም ከምዝተሳለጠ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ብብርኪ ክልላት ዝካየድ ምኽክር ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ 58 ከተማታት ካብ ሚያዝያ ክሳብ ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ንምትግባር መርሃ ግብሪ ከምዝወፅአ ኢዩ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.