Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገብርዎ ዑደት ብታንዛኒያ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዝገብርዎ ዑደት ብታንዛኒያ ጀሚሮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ታንዛኒያ፣ ኮሞሮስ፣ ቡሩንዲን ዩጋንዳን ኢዮም ዑደት ክገብሩ።

ኣይተ ደመቀ ሎሚ ኣብ ታኒዛኒያ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ምስ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሳሉሁ ኣብ ክልቲኣዊን ከባቢያዊን ዛዕባታት ተዘራሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ታንዛኒያ ዘለዋ ርክብ ጠመተ ከምእትህብ ገሊፆም።

ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዘለዋ ርክብ ምጥንኻር ከምእትደሊ እውን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምትግባር ሰላም ምፅናዕ ከምዝደሊ ተዛሪቦም።

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብሰለማዊ መገዲ ንክፍታሕ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ኣይተ ደመቀ ሓቢሮም።

ፕሬዝዳንንት ሳሚያ ብግደአን፥ ሃገረን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ብፍላይ ኣብ ኣቭዮሽንን ቱሪዝምን ከምኡውን ዓውዲ ባህሊ ንክጠናኸር ባህጊ ከምዘለዋ ኣረዲአን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምንጋስን ንምፅናዕን ዝገብሮ ፃዕሪ ትድግፍ ኢያ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.