Fana: At a Speed of Life!

ከይዲታት ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ከምዝኾኑ ማይክ ሃመር ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ክፋል እታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ ኲናት ብስምምዕነት ሰላም ዝዛዘመትሉ መገዲ ንካልኦት ሃገራት ኣብነት ከምዝኸውን ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ገሊፆም።

ኣሜሪካ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽፀንዕ ትፅቢት ዝግበረላ ሓገዝ ከምትገብር እውን እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣረጋጊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ስራሕ ዳግመ ህንፀትን ከይዲ ምርግጋፅ ስግግር ፍትሒን እውን ኣሜሪካ ከምትድግፎ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኣሜሪካ ብናእዳ ተመልኪታቶ ኢያ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ስምምዕነት “ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ኣብ ምስንዳእ ብኣብነት ዝፅራሕ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሱዳን እውን ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ብምውሳድ፤ ኲናት ህይወት ዜጋታት ካብ ምቕዛፍ ወፃእ ካሊእ ዕላማ ከምዘይብሉ ብምግንዛብን ጎንፂ ጠጠው ብምባልን ናብ ልዝብ ንኽትመፅእ ፀዊዖም።

ኣሜሪካ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ከምኡ እውን ምስ መሰል ትካላት ብምትሕብባር ሱዳን ካብ ዘጋጠማ ፀገም ንኽትወፅእ ሓገዝ ከምትገብር ሓቢሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.