Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ዜጋታታ ካብ ሱዳን ክተውፅእ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ዜጋታታ ካብ ሱዳን ክተውፅእ ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ጎንፂ ስዒቡ ዝተወሰነ ከምዝኾነ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

ቻይና ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ዜጋታት ድሕንነቶም ንምሕላው ኣድላዪ ፃዕሪ ከምትገብር እውን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ቻይና ዳይሬክተር ጉዳያት ቆንስላ ው ዢ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ዜጋታት ቻይናን ትካላትን ኩነታት ድሕንነቶም ንምጥንኻር ዘኽእል መምርሒ ምሃቦም ይዝከር።

በብምኽንያት ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ዝተፈለያ ሃገራት ዜጋታተንን ዲፐሎማሰኛታታተንን እናውፅኣ እንትኾና፥ ቅድም ክብል ኣሜሪካ ብሓገዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዜጋታታ ብሰላም ከምዘውፀአት ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.