Fana: At a Speed of Life!

ምስ ሸኔ ዝግበር ድርድር ድሕሪ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ሸኔ ዝግበር ድርድር ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ታንዛኒያ ከምዝጅመር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ህዝቢ ወለጋ እፎይ ንኽብል ኩሉ ወገን ናይ ባዕሉ ግደ ንኽፃወት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ ክኡኽ ናብ መቐለ ከምዝጓዓዝ ቀዳማይ ሚኒስር ኣቢይ ገሊፆም፡፡

እቲ ልኡኽ ርእሳነ ምምሕዳር ኩለን ክልላት ዘካተተ ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ሓገዝ ንምልኣኽ ምድላው ከምዝገበረት እውን ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ማዕቐፍ ሓገዝ 50 ሺሕ ኩንታል ስርናይ ናብ ሱዳን ከምዝለኣኽ ኢዮም ኣፍሊጦም።

ሓይሊታት ሱዳን ንሰላማዊ ኣማራፂ ቅድሚት ንኽህቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.