Fana: At a Speed of Life!

2 ዓመት ካብ ምውጋእ 20 ዓመት ምዝታይ ይሕሽ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ጎንፂ ጠጠው ኣቢልካ ሰላም ንምፍጣር እኹል ዘይኮነ ምኽንያትን ትኽክለኛ ዘይኮነ ግዘን የለን” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት ‘ኲናት የኣክል፤ ሰላም ነፅንዕ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን ተኻይዱ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዑወፐ መደረ÷ “መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንኽንርኢ ዝገበረና ፈጣሪ ንኸመስግን ምስ ሓደራ የተሓሳስብ” ኢሎም፡፡

ጎንፂ ጠጠው ኣቢልካ ሰላም ንምፍጣር እኹል ዘይኮነ ምኽንያት የለን ኢሎም ኣብ መደረኦም፡፡

ፍቕሪ ህነፅ፣ የተሓሳስብን የስሕቕን ኢዩ፤ ኲናት ግን የዕኑ፣ ይቐትል፤ ሰላም ድማ የልምዕ፣ የማዕብል፤ ኲናት ግን ፀልማትን ክፉእን ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

ሰላም ብርሃንን መጀመሪ ኩሉ ነገርን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

“ናብዚ ሰላም ንኽንበቅዕ ንዝገበርኩም ኩሉኹም እንኳ ደስ በለኩም” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡፡

“ኢትዮጵያውያን እኹል ታሪኽ ኲናት ኣለና፤ እኹል ታሪኽ ሰላም ግን የብልናን” እውን ኢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.