Fana: At a Speed of Life!

ካብ ህዝቢ ትግራይ መልእኽቲ ሰላምን ፍቕሪን ሒዘ መፂአ ኣለኹ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ካብ ህዝቢ ትግራይ መልእኽቲ ሰላምን ፍቕሪን ሒዘ መፂአ ኣለኹ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት ‘ኲናት የኣክል፤ ሰላም ነፅንዕ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንህዝቢን እቲ ክልልን ዝጠቕሙ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝሖኑ ጸዛሪቦም፡፡

“እቲ ስምምዕነት ብቕልጡፍ ንኽትግበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንዘርአዩዎ ልዑል ድፍረት ዝተመልኦ ቆራፅነት ብሽም ህዝቢ ትግራይ የመስግን” ኢሎም፡፡

ዝተረፉ ስራሕቲ ብዝተትሃዘ ቅልጣፈ ንኽትግበሩ እውን ሓቲቶም፡፡

ትማሊ ትራንስፖርት ህዝቢ ብወገን ክልል ዓፋር ምጅማሩ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው፥ እቲ ኣገልግሎት ብክልል ኣምሓራ ኣቢሉ ንኽጅመር እውን ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡

“ፀገማት ብዝልለጠነ መገዲ ምፍታሕ እናተኸኣለ ብምኽንያት ክፉእ ልምዲ ምልዓል ጠበንጃ ንዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣዚዩ ደም መፋሰሲ ኲናት ተኻይዱ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብዙሓት ምምሕያሻት ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተረፉ ኣካላት እቲ ስምምዕነት ብግቡእ ተፈፃሚ ንኽኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከምዝሰልቸዎን ድሕሪ ሕዚ ጠበንጃ ናይ ምልዓል ድሌት ከምዘይብሉን ኣብሪሆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ዝምለሱሉን ኣብቲ ክልል ዝተቛረፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ናብ ዝነበሩዎ ንኽምለሱ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈጠረ ዘይተገበአ ጎንፂ ታሪኽ ዘይድምስሶ በሰላ ኣሕዲሩ ሓሊፉ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ “ሕዚ ግን ሰላም ኣብ ብዝፀንዐሉ ገደና ምስጓም ይግባእ” ኢሎም፡፡

ጎንፂን ኲናትን ንደሓር ብምሕዳግ ሓረስቶት ኩሎም ከባቢታት ብፍላይ ሓረስቶት ትግራይ ዝናፈቖም ስራሕቲ ሕርሻ ክሰርሑ ከምዝደልዩ እውን ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.