Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንግዲ ክቕፅል ንምግባር ተጓዓዢ ባዛር ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንግዲ ክቕፅል ንምግባር ተጓዓዢ ባዛርን ፓናል ዘተን ክጅመር ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ተጓዓዚ ባዛርን ፓናል ዘተን “ምንቅስቓስ ንግዲ ሰላም ትግራይ ንዞባዊ ሰላም” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ክካየድ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኢትዮጵያን ኤጀንሲ ንግዲ ክልል ትግራይን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ተሻለ በልሁ÷ እቲ ምድላው ዝተጀመረ ሰላም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ንምጥንኻርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምንቅስቓስ ንግዲ ካብ ማእኸል ሃገር ናብ ትግራይ ከምኡ እውን ካብ ትግራይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ንኽሳለጥ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ባዛርን ፓናል ዘተን፥ ኣብ ከተማ መቐለ ጀሚሩ ናብ ከተማታት ውቕሮ፣ ዓዲግራትን ማይጨውን ዝንቀሳቐስ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ተወካሊ ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ንግዲ ክልል ትግራይ ኣይተ ካሕሳይ ለኣከ ብግደኦም÷ ኣብቲ  ክልል ተቛሪፁ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ንግዲ ብግዚያዊነትን ብቐዋሚን ንምፍታሕ ዝሕግዝ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ባዛርን ፓናል ዘተን ንምስላጥ ዘኽእል እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣካላት መንግስቲን ትካላት ውልቀን ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.