Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳራት ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳራት ዝተፈላለያ ክልላት ንመበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ንመላእ ሰዓብቲ እስልምና እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ይልቃል ከፋለ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ በዓል ዒድ ኣልፈጥር እዝነት፣ ርህራሄ፣ ምትሕስሳብ፣ ምድግጋፍን ሓድነትን ዝጠናኸረሉ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ረመዳን ፆም ሃይማኖታዊ ሥነ-ምግባር ሓሊዩ ዝፅወም ብምዃኑ በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንትነኽብር ሃይማኖታዊ ሕጊታቱ ብመሰረት ዝፈቕዶ ንከባቢና ሰላም ብሓባር ብምስላፍ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ርስቱ ይርዳ÷ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ኣብ ዝረኣየሉ ፆመ ረመዳን ዝተርኣየ እወንታዊ ተግባር ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት እውን ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙሰጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንተኽብር ብምትሕዝዛን፣ ምክብባር፣ ምትሕግጋዝን ንዝተፀገሙ ብምድጋፍን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.